18/06/2025
ኩነታት እስራኤልን ኢራንን ትግራይን??
እስራኤል ሓሙስን ዓርብን ተፀበዩኒ ሰርፕራይዝ ኣለኒ ትብል ኣላ ።ሓይሊ ባሕሪ እንግሊዝ ፈረንሳን ኣሜሪካን ናብኢራን ገፅ ይፀገዓ ኣለዋ ብርግፅ ሓዱሽ ክስተት ናይ ምፍጣር ዕድል ኣሎ። ናብ ኢራን ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ከይኣቱ ኣካቢበንኣ ኣለዋ።ብፍላይ ኣሜሪካ ኣብቲ ውግእ ንምስታፍ ብጣዕሚ ትሃፅፅ ኣላ ንእሽተይ ምኽንያት ጥራሕ እያ ትፅበ ዘላ ትራምፕ ናብቲ ኵናት ንምእታው ሸኵሉ ዓቕሉ ፀቢብዎ ኣሎ ።
ሸሊኾም ዝወፁ ሓበሬታት ከምዝሕብርዎ ኣሜሪካ መሉእ ምድላዋታ ዛዚማ ናብቲ ኵናት ንምእታው ናይ ሰዓታት ኣፈላላይ ጥራሕ እዩ ቀርይዋ ዘሎ ምናልባት ሓሙስን ዓርብን ሰርፕራይዝ ዝበሃል ዘሎ ኣሜሪካጣልቃ ብምእታው በቲ ንሳ እትውንኖ ብሎክ ቡስተር ዝበሃል 60 ሜትሮ ኮንክሪት ሰርሲሩ ትሕቲ መሬት ዝኣቱ ኣብ ሓመድ ድማ 120ሜትሮ ሰርሲሩ ዝኣቲ ተኣምረኛ ቦምቢ ፣ፈጣሪ መዓት ኣውሪዱልና ዘብል ቦምቢ ዓዲ ዘናውፅ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝፈጥር ኣሜርካ ጥራሕ ብብሕትነት እትውንኖ ቦምቢ ተጠቒማ ነቲ ኣብ ትሕቲ 90 ሜትሮ ኮንክሪት ዘሎ ናይ ኢራን ኑክሌር ብምድምሳስን ኣብ ውሽጢ ኮንክሪት ንዘለዉ መራሒ ኢራን ኣያቶላ ኻሚኒ ብምቕታልን ዶ ይኾን እቲ ሰርፕራይዝ።
ብኻሊእ ወገን ትራምፕ ንመራሒ ኢራን ኣዮታላ ኣብዘለውዎ ንፈልጥ ኢና ንግዚኡ ግን ኣይንቐትሎምን ክሊ ኣየር ኢራን ተቖፃፂርናዮ ኢና ክብል ምግላፁ ኣማሪካ ካባ መጀመርይኡ እውን ትሳተፍ ምህላዋ ዘርኢ እዩ። ኢራን ሐዚ ማእለያ ብዘይብለን ጀታት ትውቃዕ ኣላ ። ናይ ኢራን ዝተራቐቐ ፀረ ኣየራትን ራዳራትን ስለዝተደምሰሱ ካብ ሐዚ ኢራን ዝድብድባ ዘለዋ ጀታት ናይ መን ምዃነን ኣይፍለጣን ብርግፅ ናይ ኣሜረካ ጀታት እውን ይሳተፋ ይህልዋ እየን። ብዙሓት ሃገራት ግዝያዊ ኣቋም ኢራን ሪአን ደገፍታ ከይተረፋ ኣንፃራ ይለዓላ ኣለዋ። ኳታር ኢሚሬት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን "ኢራን ኣታዕርቑኒ እናበለት ትልምነና ኣላ" ኢለን ብግልፂ የዋርደኣ ኣለዋ።
ጆርዳን ናይ ኢራን ድሮናት ብምኽሻፍን ክሊ ኣየራ ንጀታት እስራኤል ክፍቲ ብምግባር ንእስራኤል ድጋፋ ኣርእያ ኣላ። በዓል ሊባኖስ ሶርያ ንባዕለን ፈረሐን ስቕታ መሪፀን ኣለዋ።ፓኪስታን እቲ ኵናት ናብ ባዕላ ከይልሑኽ ምስ ኢራን ዘራኽባ ዶብ ሙሉእ ብሙሉእ ዓፅያ ኣላ።ቱርኪ በቲ ኩነታት ተደናጊፃ ውሽጣ ትፍትሽ ኣላ ማለት እውን ቱርኪ ብሃገራት ኣውሮፓ ከም ኢራን ዝበለ መጥቃዕቲ ክበፅሓ ይኽእል ትፈልጥ እዩ ቅድሚ ሐዚ ፈረንሳይ እትመርሐን ሃገራት ኣውሮፓ ንቱርኪ ንምውራር ይሓስባ ከምዝነበራ ይፍለጥ ።
ሩስያ ብሕታዊት እትብላ መሓዝኣ ኢራን ከይትስእና እኳ ስግኣት እንተሃለዋ በቲ ኩነታት ሰጊኣ ኢዳ ኣጣሚራ ኮፍ ኢላ ኣላ። ቻይና በቲ ውግእ ምኽንያት ኢኮነምየይ ይህሰ ኣሎ እናበለት ተንፀርፅር ኣላ፣ ኣሜሪካ ነቲ ኵናት ተጓሃህሮ ኣላ እናበለት ድማ ትበኪ ኣላ በዚ ኵናት ድማ ቀደማይ ተጠቃዒት ቻይና ምዃና ይፍለጥ።።ጉጅለ ሸውዓተ ንእስራኤል ደጊፈን መግለፂ ኣውፂአን ኣለዋ።ኢራን ብሓቂ በይና ትገጥም ኣላ ብሓቂ የሕዝን። እዙይ ናይ ትግራይ ኵናት የዘኻኽረካ። እንተወሓደ ኢራን ብምድሪ ዝኸበባ ሓይሊ የለን ትግራይ ግን ብምድሪ ሙሉእ ክባ ኣትያ ምስ ትሽዓተ ክልላት ሙሉእ ሓይሊ ምስ ሙሉእ ሓይሊ ኢትዮጵያን ሙሉእ ሓይሊ ኤርትራን ምስ ወሱን ሓገዝ ዝገበራ ኢራን ፣ እስራኤል ፣ ዩክሬይን ሩስያ ሶማልያን ኣዘርባጃንን ወዘተ እያ ገጢማ እቲ ዝገርም ግና ትግራይ እኳስ ሃገር ኣይኮነትን ክልል እያ። ብተወሳኺ ኢራን ን46 ዓመት ዝተዳለየትሉ ኵናት እንትኸውን ትግራይ ግን ናይ ኣዋርሕ ናይ ምድላው ግዜ እውን ኣይነበራን።እንተኾነ ግን ነዚ ኹሉ ህንዱድ ሓይሊ ፀላኢግን ከከም ኣመፃፅእኦም ደምሲስሳቶም እያ ከይፈተዉ ናብ ስምምዕ ንኽኣትዉን ፀላእቲ ነንባዕሎም ክበታተኑን ድማ ገይራ እያ። ፀላእትና ሐዚ ነንባዕሎም ዝዋድኡን ኣብ ዘይዕረቕ ደረጃ ቀፂሖም ኣለዉ ገሊኦም ንባዕሎም ንኽጠፍኡ ኣብ ጫፍ ይርከቡ።እቲ ዝድብር ግን ፀላእቲ ነንባዕሎም ከምዝባለልዑ ጌርና ንበዓልትና ሰኣን ወሕሉል መሪሕነት ንበታተን ምህላውና እዩ።
ሐዚኸ መራሕትና ካብ ጌግኦም ተማሂሮም ዓቕሚ ህዝቢ ኣተኣኻኺቦም ጠንካራ ትግራይ ንምህናፅ ይሓስቡዶ ይህልው ወይስ ከምቲ ግሉግዘ ደቂሶም ፀኒሖም ዳግማ ከብልዑና እዮም።
ይቕፅል...ንኸይነውሕ እዩ ተቖሪፁ
ትግራይ ቅድሚ ኩሉ ውሽጣ ክተፅሪ ኣለዋ። ካብ ሕሉፍ ስሐተትና ተማሂርና ድማ ብዝተራቐቐ መንገዲ ክንምርሽ ይግባእ።መፃኢት ትግራይ ንምህናፅ ካብ ሕሉፍ ጌጋ ምምሃር ኣገዲሲ እዩ ኣብ ዝሓለፈ ኵናት ዝነበረ ክፍተት ንሕና ቀዳሞት ተሓተቲ ኢና ሸፋፊንካ ዝኸድ ነገር የለን። ካብ በሐዚ ድማ ትግራይ ኣበይ ነይራ እንታይ ኣላ ናበይ ትኸይድ ዝነበሩና ስሕተታትን ብዛዕባ ፅምዶን ክንፅሕፍ ኢና። ብውሽጢ መስመር እንኳዕ ደሓን መፃኹም ንእትብሉና ስለዝተገደስክሙልና ኢዚና ነመስግን።
መቐለ፣ ትግራይ!!