Mesfin Metals and Engineering PLC - Effort

Mesfin Metals and Engineering PLC - Effort This page is created to promote and share information about Mesfin Metals and Engineering PLC.

ብምትሕብባር ምምሕዳር ከተማ ውቕሮን ትካል ሱር ኮንስትራክሽንን ኣብ ከይዲ ስራሕ ዝፀንሐ  ስራሕቲ  መንገዲ  ሎሚ 12 ሓምለ 2018 ዓ/ም ኣስፋልት ምንፃፍ ተጀሚሩ ኣሎ።እዚ ሎሚ ዝንፀፍ ዘሎ...
19/07/2026

ብምትሕብባር ምምሕዳር ከተማ ውቕሮን ትካል ሱር ኮንስትራክሽንን ኣብ ከይዲ ስራሕ ዝፀንሐ ስራሕቲ መንገዲ ሎሚ 12 ሓምለ 2018 ዓ/ም ኣስፋልት ምንፃፍ ተጀሚሩ ኣሎ።

እዚ ሎሚ ዝንፀፍ ዘሎ ብሽም ኤ.ኤስ /AS ሓደ ዝፍለጥ ናይ ስራሕቲ ውሽጣ ውሽጢ መንገዲ ከተማ ውቕሮ ንነዊሕ ግዜ ንኣስፋልት ምንፃፍ ተዳልዩ ግን ድማ ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ጠጠው ኢሉ ከም ዝፀንሐ ብምሕባር፣ ኣብ ሱር ኮንስትራክሸን ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ኢንጅነር ብርሃነ ገ/መድህን ኣብ መወዳኣታ ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ውቕሮ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ዝገበርዎ ፃዓሪ ኣመስጊኖም ክብል ኮሚኒኬሽን ሱር ኮንስትራክሽን ሓቢሩ።

ምልክታ ጨረታ መስፍን ሜታልስ ኢንጅነሪንግ ነዞም ኣብቲ ሰነድ ተዘርዚሮም ዘለዉ ተረፈ ምህርቲ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ምልክታ ጨረታ ኣውፂኡ ኣሎ።Mesfin Metals and Engineerin...
09/07/2026

ምልክታ ጨረታ

መስፍን ሜታልስ ኢንጅነሪንግ ነዞም ኣብቲ ሰነድ ተዘርዚሮም ዘለዉ ተረፈ ምህርቲ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ምልክታ ጨረታ ኣውፂኡ ኣሎ።

Mesfin Metals and Engineering
ኣሰር ፅንዓት

ኣብ ትካል ትራንስ ኢትዮጵያ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ ትራንስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ወርሒ ዝፈፀሞም ስራሕትን ኣብ ሓፈሻዊ ትካላዊ ኩነታትን መሰረት ዝገበረ ፅሑፍ ቀሪቡ ይዝተየሉ ከም ዘሎ ተሓ...
01/07/2026

ኣብ ትካል ትራንስ ኢትዮጵያ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ትራንስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ወርሒ ዝፈፀሞም ስራሕትን ኣብ ሓፈሻዊ ትካላዊ ኩነታትን መሰረት ዝገበረ ፅሑፍ ቀሪቡ ይዝተየሉ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ቀፃሊ ትኹረት ክግበረሎም ዝበሃሉ ዛዕባታት ብምዝታይ፣ መፍትሒ ኣንፈታት ብምንፃርን ኣገደስቲ ናይ ስራሕ መምርሒታት ዝወሃበሉ መድረኽ ከም ዝኸውንን ትፅቢት ይግበር ክብል እውን ዕላዊ ገፅ እቲ ትካል ሓቢሩ።

እቲ ዘተ ኣቦ-መንበር ቦርድ ትእምት ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ፣ ኣባላት ቦርድ ትእምትን ላዕለዎት ኣመራርሓ ትእምትን፤ መላእ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እቲ ትካል ኣብ ዝተረኸቡሉ ይሳለጥ ከም ዘሎ እውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ። ድህረገፅ ትእምት ዕላዊ ከምዝገበሮ።

26/06/2026
ኣባል ጋንታ ቅድድም ብሽክሌታ መስፍን ሜታልስ ኤንድ ኢንጅነሪንግ ዝኾነት ተቐዳዳሚት ብሽክሌታ  ቅሳነት ግርማይ ተዓዋቲት ውድድር ፅርግያ ሻምፕዮን ኢትዮጵያ 2018 ዓ.ም ኰይና።ሎሚ ዓርቢ ኣብ...
26/06/2026

ኣባል ጋንታ ቅድድም ብሽክሌታ መስፍን ሜታልስ ኤንድ ኢንጅነሪንግ ዝኾነት ተቐዳዳሚት ብሽክሌታ ቅሳነት ግርማይ ተዓዋቲት ውድድር ፅርግያ ሻምፕዮን ኢትዮጵያ 2018 ዓ.ም ኰይና።

ሎሚ ዓርቢ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቀፂሉ ኣብ ዝተኻየደ 60 ኪሎሜትሮ ዝሸፈነ ውድድር ጁኒየር ደቂ ኣንስትዮ ሻምፕዮን ብሽክለታ ኢትዮጵያ 2018 ዓ.ም ቅሳነት ግርማይ ካብ ጋንታ መስፍን ሜታልስ ኤንድ ኢንጅነሪንግ ተዓዊታ ኣላ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ ውድድር ተቐዳዳሚት ብሽክሌታ ጋንታ መስፍን ዝኾነት ራሄል ታመነ እውን ሳልሰይቲ ብምውፃእ ተዓዋቲቲ ኮይና ኣላ።

ዳናይት ተስፋይ ካብ ጋንታ ትራንስ ኢትዮጵያ ካልእይ ከምዝወፀት እውን ተፈሊጡ ኣሎ።

100 ኪሎሜትሮ ዝሽፍን ውድድር ፅርግያ ጁኒየር ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ እዩ ዝተመልከተ።

በቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት ትካል መስፍን ንመላእ ሰራሕተኛታት ትካሉ ሰናይ ሓጎሱ ይገልፅ።

Mesfin Metals and Engineering
ኣሰር ፅንዓት

መስፍን ሜታልስ ኢንጅነሪንግ ኣብ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ትሽዓት ኣዋርሕ ኣድሂቡ ምስ መላእ ሰራሕተኛታቱ ይዝቲ ኣሎ። ኣብቲ ዘተ ንኣባል ፈፃሚት ስራሕ ዉድብ ህወሓትን ኣካቢ በዓል ሓደራ ቦርድ...
26/06/2026

መስፍን ሜታልስ ኢንጅነሪንግ ኣብ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ትሽዓት ኣዋርሕ ኣድሂቡ ምስ መላእ ሰራሕተኛታቱ ይዝቲ ኣሎ።

ኣብቲ ዘተ ንኣባል ፈፃሚት ስራሕ ዉድብ ህወሓትን ኣካቢ በዓል ሓደራ ቦርድ ትእምትን ተጋዳላይ ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ ሓዊሱ ኣባላት በዓል ሓደራ ትእምት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም እዮም።

ንመስፍን ሜታልስ ኤንድ ኢንጅነሪንግ ካብ ሙሉእ ጥፍኣት ድሒኑ ዓርሱ ንምሕዋይ ካብ ስራሕቲ ሪ ብራንዲንግ ማለት እውን ዕላውነት ሓድሽ ዕላመት ኣትሒዙ ሓደሽቲ ስትራቴጂታት ብምሕንፃጽ ኣብ ከቢድ ርብርብ ከምዝርከብን ከም ትካል መሊኡ ደው ንምባል ኣብ ፃዕሪ ከምዝርከብ ማኔጂንግ ዳይሬክተር እቲ ትካል ኢንጅነር ተሰማ ግደይ ኣብ ዘቕረብዎ ገምጋም ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣቕሪቦም።

መስፍን ዝገጠምዎ ኩለመዳያዊ ፀገማት ተፃዊሩ ክብርታቱ ንማዕቃብ ኣብ ፃዕሪ ከምዝርከብን ምስ ዘሎ ህልው ኩነታት ንዘለውዎ ኩለምዳያዊ ንምብዳህ ምስ ሰራሕተኛታቱ ይተግህ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ዉድብ ህወሓትን ኣካቢ በዓል ሓደራ ቦርድ ትእምትን ተጋዳላይ ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ ብግድኦም መስፍንን ካልኦት ትካላት ትእምትን ግዳይ ዝሓለፈ ፅንተታዊ ኩናት ከምዝነበራ ብምዝኽኻር ንሕውየት እዘን ትካላት ትካል ትእምት ቆላሕታ ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

መስፍን ዝለዓለ ክብሪ ዝውንን ትካል እዩ ብምባል እዚ ትካል ንኽሓዊ ግደ ኩሉ ሰራሕተኛ ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።

ኣብቲ መድረኽ ሰራሕተኛታት ትካል መስፍን ምስዘሎ ኩለምዳያዊ ቁጠባዊ ቅልውላው ተተሓሒዙ ፀገማቶም ተፃዊሮም ይሰርሑ ከምዘለዉን እንተኾነ ምስ ናህሪ ዋጋ ተተሓሒዙ ሕቶ መሃያ ክምለሰሎም ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እቲ ካብ ሰራሕተኛ ዝተልዓለ ሕቶ ቅኑዕ ምኳኑን እቲ ትካል ነዚ ንምፍታሕን ኣብ ግዚኡን ዓቕሚ ኣብዘፍቀደን ሕቶ ሰራሕተኛታቱ በብብርኪ ንምምላስ ይሰርሕ ከምዘሎን ድማ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ እዩ።

Mesfin Metals and Engineering
ኣሰር ፅንዓት

መስፍን ሜታልስ ኢንጅነሪንግ ኣብ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ትሽዓት ኣዋርሕ ኣድሂቡ ምስ መላእ ሰራሕተኛታቱ ይዝቲ ኣሎ። ኣብቲ ዘተ ንኣባል ፈፃሚት ስራሕ ዉድብ ህወሓትን ኣካቢ በዓል ሓደራ ቦርድ...
26/06/2026

መስፍን ሜታልስ ኢንጅነሪንግ ኣብ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ትሽዓት ኣዋርሕ ኣድሂቡ ምስ መላእ ሰራሕተኛታቱ ይዝቲ ኣሎ።

ኣብቲ ዘተ ንኣባል ፈፃሚት ስራሕ ዉድብ ህወሓትን ኣካቢ በዓል ሓደራ ቦርድ ትእምትን ተጋዳላይ ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ ሓዊሱ ኣባላት በዓል ሓደራ ትእምት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም እዮም።

ዝርዝሩ ክነስዕብ ኢና

Mesfin Metals and Engineering
ኣሰር ፅንዓት

ጀጋኑ ስዉኣትና እንትንዝክር ሕዉየትን ስግግርን ትእምት ብምቅልጣፍ ፣ ዓርሰ ሙርኮስኡ ዘዉሓሰን ኣብ ጉዕዞ ምምሕያሽን ዕብየትን ዝኣተወ  ትካል ንምፍጣር ከም እንረባረብ ዳግም ቃል ብምእታዉ ክ...
24/06/2026

ጀጋኑ ስዉኣትና እንትንዝክር ሕዉየትን ስግግርን ትእምት ብምቅልጣፍ ፣ ዓርሰ ሙርኮስኡ ዘዉሓሰን ኣብ ጉዕዞ ምምሕያሽን ዕብየትን ዝኣተወ ትካል ንምፍጣር ከም እንረባረብ ዳግም ቃል ብምእታዉ ክኸዉን ከም ዝግባእ ተገሊፁ።

መበል 38 ዓመት ዝኽሪ ስዉኣት ኣብ ማእኸል ቤት ፅሕፈት ትእምት ብፓነል እንትሳለጥ መበገሲ ሓሳብ ዘቕረቡ ተጋዳላይ ዑቕባይ ታፈረ ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንህላዉኡ ዝፍትኑ ከበድቲ ብድሆታት ከም ዝገጠምዎን ፤ ብፅንዓትን ጅግንነትን እናመከተ ህልዉንኡ እናዉሓሰ ምምፅኡን ገሊፆም ።

ፀላእቲ ፣ በብ መድረኹ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ወራራት ፈፂሞም እዮም ዝበሉ ተጋዳላይ ዑቑባይ ፤ ንስለ ክብሩ ፣ ህልዉንኡን መንነቱን ብዝፈፀሞም ተጋድሎታትን ዝኸፈሎ ክቡር መስዋእትን ህልዉንኡ ካብ ምዉሓስ ብዝሰገረ ፍረ ቓልሱ ብግብሪ ከም ዘግሃደ ኣብሪሆም።

ሕዚ ትግራይ ኣብ ዝተፈለየን ዝተሓላለኸን መድረኽ ኣላ ዝበሉ ተጋዳላይ ዑቑባይ ፤ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ዘይምምላሱ ፣ ሚልዮናት ካብ ቤት መረበቶም ተመዛቢሎም ምህላዎም ኮታስ ፀላኢ ትግራይ ንምጥፋእ ኩሉ ምንቅስቓስ ይገብር ምህላዉ ኣፍሊጦም።

ከም ትግራይ ገጢሙና ንዘሎ ሓደጋ በዲህኻ ምዉፃእ እንኮ ኣማራፂ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ ፤ ተወንዚፉ ዝፀንሓ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ምምላሱ ፣ ኣብ መዳይ ፖለቲካ ዘሎ ምስጥጣምን ምስ ህዝብታት ዝተጀመሩ ርክባትን እቲ መኸተ ብዓወት ንምኽምባት ዝተፈጠሩ ዕድላት ምዃኖም እዉን ሓቢሮም ።

ተወፋይነት ፣ ህዝባዉን ብሄራዉን ፍቕሪ ፣ ፀዋርነት ፣ ንፍትሕን ርትዕን ደዉ ምባል ህያዉ ክብርታት ጀጋኑ ስዉኣትና ምዃኖም ዘዘኻኸሩ ተጋዳላይ ዑቑባይ ፤ ኣብ ኩሎም ምንቅስቓሳትና ድማ ክንሰንቆም ይግባእ ኢሎም።

መላእ ማሕበረሰብ ትእምት ኣብዚ ዘለናሉ ምዕራፍ ኮይኑ ስዉኣትና እንትዝክር ፤ ብሄራዊ ዓቕምታት ትግራይ ንምጥንኻር ፣ ሉኣላዉነትና ንምዉሓስ ፣ ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ ቦትኡ ንምምላስን እግሪ ንምትካልን ፣ ኣብ ምርግጋፅ ዓርሰ ምርኮሳ ኮታስ ሕዉየትን ስግርን ትእምት ንምቅልጣፍ ከም እንረባረብ ቃል ብምእታዉ ክኸዉን ከም ዝግባእ ድማ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሓላፊ መምርሒ ትልሚ ፣ በጀትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ቤት ፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣይተ ተስፋይ ገ/ኪሮስ መልእኽቶም ኣሕሊፎም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብግድኦም ጀጋኑና እንትንዝክር ፣ ብዋናነት ትካላት ትእምት ካብቲ ብሰንኪ ኲናት ዝበፅሐን ዕንወት ወፂኣን ናብ ሕውየት ንክሰጋገራ ዝተጀመሩ ፃዕርታት ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ዝተዋደደ ርብርብ ከም ዝገብሩን እቲ ህልዉ መድረኽ ዝጠልቦ ኩሉ ንምፍፃምን ድልዋት ምዃኖምን ኣረጋጊፆም ክብል ድህረገፅ ትእምት ዕላዊ ገይሩ።

ብምኽንያት መበል 38 ዓመት ዝኽሪ ጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ ብኣሰናዳእነት ት.እ.ም.ት ኣብ ክብርታት ጀጋኑ ሰማእታት ዘድሃበ ዘተ ፓናል ይሳለጥ ኣሎ።ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ ዘሎ ዘተ ፓነል ኣባል ፈ...
20/06/2026

ብምኽንያት መበል 38 ዓመት ዝኽሪ ጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ ብኣሰናዳእነት ት.እ.ም.ት ኣብ ክብርታት ጀጋኑ ሰማእታት ዘድሃበ ዘተ ፓናል ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ ዘሎ ዘተ ፓነል ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ውድብ ሕወሓትን ኣካቢ በዓል ሓደራ ቦርድ ትእምትን ክቡር ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተን ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ተጋዳላይ ተወልደ ገብረፃድቃንን መበገሲ ሓሳብ ብምቕራብ ነቲ ዘተ ፓናል ኣብ ምምራሕ ይርከቡ።

እቲ ዘተ ፓነል ሕድሪ ስውኣትና ንምውሓስ ህልውናናን ሉኣላውነትናን ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

Mesfin Metals and Engineering
ኣሰር ፅንዓት

Mesfin Metals and Engineeringኣሰር ፅንዓት
17/06/2026

Mesfin Metals and Engineering
ኣሰር ፅንዓት

Address

Mekelle
1000

Opening Hours

Monday 09:00 - 17:00
Tuesday 09:00 - 17:00
Wednesday 09:00 - 17:00
Thursday 09:00 - 17:00
Friday 09:00 - 17:00
Saturday 09:00 - 17:00

Telephone

+251914732684

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Mesfin Metals and Engineering PLC - Effort posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share