21/08/2026
እንኳዕ ን2018 ዓ.ም ንበዓል ኣሸንዳን ዓይኒ ዋርን ብሰላም ኣብፀሐና ኣብፀሐኩም ዝብል ዘሎ ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ተጎጋ እዩ፡፡
ትካልና ብዝኣተዎ ቃል መሰረት እቶም ዓበይቲ ናይ ስሚንቶ ፋብሪካ ማሽናት ከምዘእተወን ከምኡ ድማ ተወሳኺ LC ከፊቱ ማሽናት ኣብ ከይዲ ምምራትን ምጉዕዓዝ ይርከብ፡፡
ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝርግሐ ጊዚያዊ ሓይሊ ኤለክትሪክን ኳዕቲ ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ ማይን ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ከምዝበፀሐን ናይ ዋና ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ፅንዓትን ዲዛይንን እውን ተወዲኡ ኣብ ከይዲ ዓለም ለኸ ጨረታ ይርከብ፡፡
ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ተጎጋ ህዝባዊ ሓደርኡ ተቐቢሉ ምስ እቲ ከባቢ ማሕበረሰብን ምምሕዳርን ፅኑዕ ዝኾነ ርክብን ምሕዝነትን ብምፍጣር ኣብ ምስራሕ ይርከብ ፡፡
ካሊእ ካብ ኢትዮጵያ ካፒታል ማርኬት ኣፍልጦ ንምርካብ እውን ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ስለዝበፅሐ ኣብ ቀረባ እዋን መሸጣ ኣክስዮን ክጅመር ምዃኑ እናገለፅና ኣብ ዞባታት ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ሓደሽቲ ጨናፍር ክንኸፍት ምዃና እንትንገልፅ ክሳብ ሕዚ ድጅታል መታወቂያ (ፋይዳ)ን ቲን ሰርቲፊኬት ዘየተሓሓዝኩም ኣብ ዝቐርበኩም ጨንፈር እንዳቐረብኩም ክትምዝገቡ ብኽብሪ ንፅውዕ፡፡
ርሑስ በዓል ኣሸንዳን ዓይኒ ዋርን
ብተጎጋ ትግራይ ናብ ብራኸ
ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ተጎጋ